www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ፈስቲቫል ብሌን ኣብ ከተማ ሎዛን ስዊስ ብዕለት 07.05.2016 ብዓቢ ድምቐት ተባዒሉ
ፈስቲቫል ብሌን ኣብ ከተማ ሎዛን ስዊስ ብዕለት 07.05.2016 ብዓቢ ድምቐት ተባዒሉ
Thursday, 12 May 2016 21:11

ብኽንያት ረድዮ ብሊና ሓደ ዓመት ዕድሚኣ፣ ንስራሓታ ንምግምጋምን፣ ንቐጻሊ
መደባታ ንምሕንጻጽን፣ ተሳታፍነት ህዝቢ ንምዕባይን፣ ተባሂሉ፣ ብሽማግሌ
ረድዮ ብሌን፣ ኣብ ከተማ ሎዛን ስዊስ ብካብ ኩሉ ኩርዓት ዓለም ዝመጹ ብሄረ
ብሌንን ፈተውቶምን ብከዋኽብቲ ስነ ጥባባውያን ተዓጂቡ ሰፊሕን ዕዉትን
ፈስቲቫል ብዓቢ ድምቐት ሓሊፉ።
እዚ ንመጀመርታ ዝተገብረ ፈስቲቫል፣ እዚኣ ራድዮ ካብ ትብገስ ኣትሒዛ ኣብ
ቛንቛን ባህልን ዘድሃበ ዘካየደቶ ዕማም፣ ብኹሉ ህዝቢ ደገፍ ረኺቡ፣ ነዚ
መደባታ ክትቅጽሎ ብንዋትን ብቑጠባን ብዓቕምን ከህብትምዋ’ውን ቓል ኣትዩ
ኣሎ።

ኣብዚ ፈስቲቫል ካብ 500 ህዝቢ ንላዕሊ ብሌንን ኣሓውት ህዝብን ክሳተፍ
ከሎ፣ ነቲ ሃጓፍ ዝነብረ ዝምድናን ሌላን ኣስሚሩ፣ ኣብ ባህልን ቛንቛን ዝነበረ
ድኻም ፈዊሱ፣ ኩሉ ተሳታፊ ከም ዝተሓጎሰ ኣስሚሩሉ።
ዓበይትን መንእሰያትን ናይ ቀደምን ሕጅን ስደተኛታት፣ ከዕልሉን ንመጻኢ
ክዝትዩን ካብ ነዊሕ ግዜ ዝተፈላለያ ስድራቤታትን ኣዕሩኹን ክሰዓዓሙን
ሃለዋት ክተሓታተቱን ቆልዑ ነጻ ኮይኖም ክጻወቱን ምስ ቀረባ ኣዝማዶም
ክላለዩን ምርኣይ ካብ’ቲ ዝያዳ ዘሕጉስ ምርኢት ዝነበረ’ዩ።
እዚ መደብ እዚ ብዓቢ ሓላፍነትን ብሱሩዕ ኣገባብን ክቕጽል ናይ ኩሉ ድልየትን
ለበዋን ንኣሰናዳዊት ሽማግሌ ሂቡ፣ ንመደብ ሬድዮ ብሌን ለይትን መዓልትን
ኣብ ትርፊ ግዜኦምን ካብ ጅብኦምን ንዝተለሙን ጌና ንዝሰርሑን ዘለዉ ሞጉሱ፣
ንሎዛንን ኩሉ ስዊስን ነዚ መደብ ዘዳለዉ ኣመስጊኑ ንዓመታ እንተኾነ ኣብ
ሃገርና ብዝተረፈ ኣብ ዝተመደበሉ ቦታ ብሰላም የረኽበና እና በለ ተሳታፊ ቦታኡ
ተመሊሱ ኣሎ።
ክፍሊ ዜናን ትምህርትን ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 216 guests online