www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ
ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ
Saturday, 28 July 2018 15:54

መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንበርቓዊ ዝምድና ምስ መንግስቲ ኤርትራን ኢስያስን ዝምልከት

ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ

 

ኽበርኩምን ዝኸበርክንን ህዝቢታት ኤርትራ፡ መንግስቲ ኢትዯጵያ ድሕሪ ጠ/ሚ/ ዶር ዓቢይ ዓሊ ኣብ ስልጣን ዝመጹ ጀሚሩ፡ ኣፍሪቓዉያን ካብ መራሕትና ንጽበዮን ንትስፈዎን ንብህጎን ቓልን ግብርን አሳንዩ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቓ ከኣ ከም ጸሓይ ንግሆ ክብርቐልና ንደልዮ ንርእን ንሰሚዕን ኣሎና።  ዪመላኣዮ ንብል። ብፍላይ ጠ/ሚ/ ዶር ዓቢይ ዓሊል ነቲ ንዘመናት ልቡ ይቕረን ፍቕርን ዘይፈልጥ፡ ብቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ንዕስራ ዓመታት ላሕ ኣቢሉ ዒጭ ኢሉ ዝንበረ ዲክታቶር ኢስያሳ ክኸፍት ስለ ዝኸኣለ ብስምናን ብስም ህዝብናን ምስጋና ነቅርበሉ።

እዚ አብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኽጅመር ዝነበሮ ዘይጀመረ ሰላም፣ ስለ ዝኾነ ህዝብናን ደንበ ተቓዉሞናን ብዙሕ ሕቶታት ከልዕሉ ንቡር’ዩ። ካብ ኩሉ ሽርሒ ኢሳያስ ዝኣረግናሉ ስለ ዝኾነ እንቛዕ ባሕሪ ተኸፍተልና ኢልኩም ኣይትደሃለሉ ቀደምስ ህዝቢ ኤርትራ እኳ ኣይዓጸወኩምን። ህዝብታት ኤርትራ ግን በዚ ሕጂ ዘለዎ ሕሱም ናብራ ተደፋፊኡ፣ ሰላም ዋሕስ ሂወት፣ ሰላም ዋሕስ ተስፋ ስለ ዝኾነት ኣዕሉሉ ኮበሮ ሃሪሙ ብምቕባሉ መጉስኩሞ የቐንየልና። እንተኾነ ነቲ ተሰኪምዎ ዘሎ ኣርዑት ተረድእዎ፣ ኪኢልኩም ሓግዝዎ፣ ሓሚቕኩም ድማ ቁስሉ ኣይትተንክፍዎ። ሙሉእ ብሙሉእ ነቲ ሰላም ሪዒምሉ ኢልካ ፈንጥዝያ ምግባር ጽባሕ ከየቀያይመና ርግእ በሉ ንብል።

ኽቡር ህዝቢ ኤርትራ እዚ በርቓዊ ዉሳኔ ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ሱቕ ኢሉ ዝመጽኤ ዘይኮነስ ጽንዓትካን ተጻዋርነካን ደፊኡዎ‘ዩ ዝገብሮ ዘሎ። ዮሃና ንብለካ፡ እንተኾነ ሕጅኸ እንታይ ዝተረፎ እህሉ ኢልካ ከይተገራህካ ነፍስኻን ደቕኻን ሓሉ፣ ክሳብ ሙሉእ ሓርነት ትረክብ ድማ ከም ቀደምካ ነዚ ሓዲስ ኲነታት ተጠቂምካ ንመሰላትካ ክሳብ ሙሉእ ሓርነት ተቓለስ፣ ብዝይካ ቓልሲ ካልእ ምርጫ የብልካን።

መንግስታዊ ጾር ዘለዎ ኢሂወደግ  አብ ዘካየድዎ ገምጋም ንህዝቢ ኢትዮጵያ አብ ዝሓለፈ ግዜ ዘበደልናካ ይቅረ በለልና፡  ድሕሪ ሕጂ ድማ ሱር ነቀል ለዉጢ ክንገብር መብጽዓ ነትወልካ ምስ በሉን፣ አብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ብዙሕ ለውጥታት ተራአዩ ፡አብ ጉኒ ሓዋትና ኢትዮጵያውያን ንሕና’ውን ብዙሕ ሓጎስ ተሰሚዑና። ጠ/ሚ/ ዶር ዓቢይ ዓሊ ካልኦት ኣጋይሽን ዝሓዛ ነፈርቲ  ካብ አዲስ አበባ ንአስመራ ክኣትዋ ከለዋ ነበርቲ ከተማ አስመራን ከባብን ንዓለም ዝደነቕ ጭዋ ኣቐባብላ ክገበሩሎም ከለው ድማ ተዓዚብና። እንተኾነ ገለ መሳፍንቲ ኢትዮጵያን ብዓቢኡ ከኣ ዲክታቶር ኤርትራ ነዚ መነትናን ኣብ ዉሽጢ ተደጉሉ ዘሎ ናይ ቓልሲ ወንናን ክርድኡ ስለ ዘይደልዩ ንዕላማኦም ዝምጉስ ጽንብል ከምስልዎ ፈቲኖም፣ ሕልምታቶም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኮይኑ፡ ጋሻ ብኽብሪ ምቅባል ባህልና’ዩ። ኣብ ታሪኽና ግን እቶም ኣጋሽ ኢልና ልብናን ገዛናን ከፊትና ዝተቐበልናዮም ጽቡቕ ኣይፈደዩናን እሞ ሓደራ ሕጂ’ውን ከይትጎድኡና።

ደፋር ጓልሲ ንዲኣ ሕርሲ ተምህራ ከም ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ፍትሒ እንዳባ ገይሩ ንጉዳዩ ክሳብ ሕልፈት ሂወት ብባይቶ ዝፍትሕ ንደም ብጋርን ብጓልን ዘድቅስ ዪቅረን ፍቅርን ኣብ ባህልታቱ ኣስሚሩ ዓድን ወረዳን ኣዉራጃን ምምሕዳራዊ ስርዓት ኣቑሙ ተውሃሂዱን ተደማሚሩ ናይ ዉልቒ ዪኹን ናይ እኩባትን ናይ ብሄራት ይኹን እምነታት መሰላት ኣኽቢሩ ክሳብ እዚ ናትኩም ኢሳያስ መንግስቲ ዝተክል ብሰላም ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ’ዩ። ምስ ጎረባብቱ’ውን ብሰላም ዝነብር ዝነበረ`ዩ። ብፍቕርን ምክብባርን ግን ንዘለዎ ክዉስኸሉን ከዕብዮን ምኽሪ ዝጽልእ ኣይኮነን። እንተ ኣይተ ኢሳያስ ግን ደላይ ሰላም ኮይኑ ክሽለም ህዝቢ ኤርትራ ግን ሕጂ ፍቕርን ምድማርን ሀሁ ክንብሎም ኢና ዝብል ተርድኦ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ንዓመታት ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ንዝወረደና ዝነብረን ዘሎን ንሱ ዝጻሕተሮ ኲናት ዝገደፈልና ስንብራትን፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሓቑ ንዘለዉ ኣቡናትናን ኣቕሽሽትና መፍቲታትናን ናይ ፕሎቲካን ሕልናን እሱራትና ጀጋኑና ትኽሕዱ ከይትህልዉ ደጊምኩም ህድእ በሉ ንብል።

ከም’ቲ ጠ/ሚ መለስ ዜናዊ (ነፍሱ ዪምሓሮ) ዝበሎ ዝምድናታትና ዝወርድን ዝድይብን ዝጸንሔ ፍትሒ ማእከል ዘይገብረ ካብ ጥንቲ መንግስታት ኢትዮጵያ ምስ ገለ መሳፍንቲ ከም’ዚ ሕጂ ምስ ዲክታቶር ዝግበር ስምምዓት ንረብሓ ናይ ህዝቢ ማእከል ዘይገበረ ስለ ዝኾነ’ዩ። እንተኾነ ንሰላም ክንደሊ ዝተጋደልና ዝተሰዋእና ዝሰንከልና ዝተኣሰርና ዝተሰደደና ስለ ዝኾና ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ኤርትራዊ ንሰላም ዪብህጋ፣ ንሕና’ውን ከም ውድብ ንደግፎ ከም ጠ/ሚ/ ዶር ዓቢይ ዓሊ ዝበሎ ሕጅውን ኣብ ኤርትራ ፍቅሪ ኣሸኒፋ ክትወጽእ ንምኔ ኣሎና።

ንጠ/ሚ ንዶክቶር ዓቢ ኣሊን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ክነመሓላልፎ ንደሊ ለበዋ፣

  1. ብጥዕናኡ እንተኾነ ኢስያስ ‘’ድሕሪ ሕጂ መራሒና ዶር ዓቢይ’ዩ’’ ኢሉ ነዚ ድማ ደጋጊሙ ‘’ንቓል ዓለም ኣይኮነን’’ ንሕና እኳ ‘’እዛ ቡርኲታ እምኒ ኣላታ’’  ንብል እንተኾነ ካብ ክቡር ጠ/ሚ ኢትዮጵያ ዶር ዓብይ ክንሰምዖ ደስ ስለ ዝብለና እዚ ከም ዝበልካዮ ቓል’ዩ። ቓል ድማ ሂወትን ሓቕን መንፈስን ስጋን’ዩ ኢልካ። ክንላበወካ ነዚኣ ቓል ዝምልከት መብርሂ ንደሊ ኣሎና። ነዚ ስልጣን ተቐቢልካዮ እንተኾንካ ጭብጥና ምሳኻ ክንግብር መርገጺኻ ክንፈልጥ ንደሊ።
  2. ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ስደተኛን ብፍቓድን ዝነብር ኣሎ፣ ገለ ድማ ድማ ተሓቢኡ ከይትሓዝዎ ተሸቑሪሩ ዝንበር ኣሎ፣ ገለ ድማ ኣብ ቓልሲ ሙሉእ ሂወቱ ሂቡ ኣብ ጸግዕኹም ኣሎ፣ ብሓቒ ፍቕርን ምድማርን እሞ ነባርን ህዝቢ ዝሓቑፍን እንተኾነ ምስ’ዚ ኣብ ሃገርኩም ዝነብር ዘሎ ህዝብና ክትጀምርዎ፣ ሓደራ ንብል። ምስ ኢስያስ ጥራይ ንድመር እንተኾነ ግን ኣብ ታሪኽ ዓቢ ገበን ተትርፉ ኣሎኹም ነዚ ክልተ ህዝብታት ድማ ነፍቕረካ እናበልካ ምድማይ ከይከዉን ሕሰቡሉ።
  3. እዚ ብተበተብ ዝግበር ዘሎ ሰላም ዝተሓስስብ’ዩ። ካብ ኩሉ ብሃገራት ዓረብ ሽልማት ምቕባል ምስ ተዓዘብና ሕጂ’ውን መንግስቲ ኢሳይስ ንደቕና ካብ ዶባትኩም ሲሒቡ ናይ ካዝናኡ ክመልእ ንኣብነት ነዞም ንዓመታት ክጣየሱ ዝጽበዩ ዝነበሩ ደቕና ንየመን ከይስግሮ ንሻቐል ኣሎና። ነዚ ዝምልከት ኣፍልጦ እንተሎኩም ዳጊምኩም ናይ ኣጼ ሚኒልኪ ጌጋ ከይትፍጽሙ ሓደራ ንብለኩም።
  4. ዶብ ምሕንጻጽ ንፍቕርና የደልድሎ እንበር ኣየዕብሮን’ዩ። በቲ ሕጊ ዘቕዶ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ክዉዕል ክደፍኡሉ ንላቦ። ነናትካ ምስ ፈለጥካ ካብኡ ክትመቓቐልን ክትልግስን ከሎኻ’ዩ፣ ፍቕሪ።
  5. ወፍርን ካልእ ንኢትዮጵያ ዝገደስ መደባትን ኣብ ኤርትራ ክትገብሩ ክትበሩን ክትህንጠዩን ህዝቢ ኤርትራ ተዕዛቢ ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራዊ’ውን ከም ኢትዮጵያዊ ክምዕብልን ከዉፍርን ክነግድን ድልየት ኣለዎ። እንተኾነ ኤርትራ ካብ 1991ዓም ጀሚራ ክሳብ ሎሚ ለይቲ እዛ ጽሕፍቲ ትወጽእ ሲኦል ምድሪ ንዜጋታት’ያ። ዲሞክራስያዊ ቑዋን ባይቶን ነጻ ፕረስን የብላን። እዛ ሃገር ናይ ሓደ ሰብ ርስቲ ኮይና ኣብ ዘላትሉ ኩሉ ጻዕርታትኩም ኮንቱ ከይከዉን ዳግም ክትሓስቡሉ ንላበወኩም። እንተ ኤርትራዊ ግን መራሒኡ ዝጠለሞ ስለ ዝኾነ ኣምላኽ መዓልትና ክሳብ ዝህበና ወላ ኣብ ጉቡጥሽ የእትወና ካብ ቓልሲ ደዉ ክንብል ኢልኩም ኣይትሓሰቡ።

ንህዝብና ክንብሎ ንደሊ እንተሎ ክብርን መሰልን ከም ገጸ በረኸት ከም ዘይወሃብ ዝተሞኮርናሉ’ዩ። እቲ ቓልሲ ክሳብ ሙሉእ ሓርነት ንጭብጥ ሕጂ’ውን ቐጻሊ’ዩ።  ናይ ትማሊ ኣብ ጎቦ ዘሎ ንንፋስ ኣብ ሩባ ንዘሎ ዉሕጅ እዉሰዶ ኢልና፣ ንሰማእታትናን ኣኽቢርና ንናይ ፖሎቲካ እሱራትን  ከም ምስሊ ቓልስና ሒዝና ሓዲስ ኣገባብ ቓልሲ ክንቅይስ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን  ካልእ ስለ ዘየሎ ሓቢርና ሓድሽ  አገበብ ክንክተል ደጊምና ንጹዉዕ።

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ ሆደ፣ ንፈጻሚት ሽማግለን ንመንግስትን ኢሃወደግ ብፍላይ ድማ ናይ ጠ/ሚ/ ዶር ዓቢይ ዓሊ ነቲ ናይ ሰላም  ተብግሶኡ ካልኣይ ግዜ እና ሞጎስናን እናደገፍና ነዚ ቕሬታትና ዘርዚርና ስለ ዘሎና ዕሽሽ ከይብልዎ ለበዋና ብስም ህዝብና ነምሓላልፍ። መንግስትን ውድብን ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቒ ግዜ ከሎኩም ግዜ ኣይትጸበዩ፣ ንጎረቤትኩም ሃገር ብዓይንኹም ከም ዝረኤኹሞ መጠነ ሰፍሕ ምዕባሌ ብሕግን ብፖሎቲካን ቑጠባን ባህልን ተዓዚብኩም ኣሎኹም፣ ዪኣክል ናታትኩም መግዛእቲ ኢሉ ህዝቢ ከይተላዕለኩም ስልጣን ህዝቢ ዋንኡ ስለ ዝኾነ ንህዝቢ ኣስረክቡ። ይቕረ ጥራይ ዘይኮነ ሕድገት’ውን ንዝፈልጥ ንህዝቢ ኤርትራ ዪኣክል ሓሳረ መከራ ኢልኩም ሕረስ ሓረስታይ በሉ።

መስርሕ ሰላምን ዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ኩሉ ይዓንብብ።

ክልተ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዘለኣለም ብሰላም ዪንበራ።

ዓወት ንሰማእታትና!

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 27 guests online