www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ሓባራዊ መግለጺ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ሓባራዊ መግለጺ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
Friday, 03 July 2020 12:46

ሃገርና ኤርትራ መዳርግቲ ብዘይብሉ መስዋእቲ ናጽነታን ልዑላውነታን ዘውሓሰት ሃገር’ኳ እነተዀነት፣ እቲ ብኢደ ወነኑ ኣብ ስልጣን ተወጢሑ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይቅዋምን ሕግን ንህዝብና እናድመየን እናበታተነን፡ ክገዝእ ዝጸንሐን ዘሎን ስርዓት፡ ንሃገርና ናብ ጐደና ጥፍኣት ይመርሓ ምህላዉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ብዙሓት ሃገራውያን፣ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት፣ ብዝተወደበን ብዘይተወደበን መልክዕ፣ ተቓውሞኦም ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓሉን። ዓቕምታቶም ብሓባር ንምጽንባር ከኣ ብዙሕ ጻዕርታት ከም ዝተኻየደ ዝተፈልጠ ኢዩ። ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት፡ “ጥርናፈ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብምርግጋጽ፡ ህዝብን ሃገርን ነድሕን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ናይ ትምህርትን ሕትመትን ማሕበር ኤርትራ ዝተዓደመ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ኣብ ከተማ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ክጋባእ ተመዲቡ ዝነበረ ዋዕላ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮና “ኮቪድ-19” ክፍጸም ኣይተኻእለን። ይኹን’ምበር እዚ ኣገዳሲ መደብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ነቲ ብኣካል ምርኻብ ዘጸገመ ኩነታት ሰጊረን ብኤለክትሮኒካዊ (ቭርችዋል) ኮንፈረንስ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ዝኣክል፡ ኣብ ቀጻሊ ዘተን ምይይጥን ጸኒሐን። ንኩነታት ሃገርን ሓባራዊ ዕዮ ተቓውሞ ሓይልታትን ብዝምልከት ከኣ ኣብ ኣገዳሲ መዳያት ተዋሃሂደን ክሰርሓ ኣብ ምርድዳእ ከም ዝበጽሓ ንመላእ ህዝብን ፈተውትን ይገልጻ።

 

to read more click on this PDF link.

Last Updated on Friday, 03 July 2020 13:05
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 44 guests online