www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ
ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ
Thursday, 01 June 2023 16:04

ሰላምታ
1. ፍቁራን ደቅናን፣ መላእ ሕዝብናን፡ ኵልኹም ደለይቲ ሰላምን፣ ካብ እግዚኣ ብሔር ኣቦናን፣ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ነኣኻትኩም ይኹን 1 ። ኢየሱስ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ከልካሊ መንደቕ ጽልኢ ብምፍራስ፣ ነቶም ክልተ ዝነበሩ ሓደ ዝገበረ ሰላምና 2፣
ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ” ዘተዓረቐና፣ ነቶም ርሑቓት ዝነበሩ ሰላም ዘበሠረ 3 ንሱ እዩ። ሕጂ ውን ነቲ ዓለም ኪህቦ ዘይኽእል ሰላሙ ዘተስፈወና ኢየሱስ፣ ሰላሙን ጸጋኡን ምሳኻትኩም ይኹን ፣ ብዚብል ቃል ሰላምታን ምርቓን4 መልእኽትና ንሰደልኩም።
እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንሠአ፣ ብትንሣኤኡ ንሰማይን ንምድርን ማለት ንሰብን ንኣምላኽን ዘተዓረቐ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቡራኬኡ የፍስሰልና፣ መንፈስ ዕርቂ የውርደልና፣ ኣብ ዚ እዋን ዚ ትንሣኤኡ እነኽብርን እንዝክርን ዘሎና ጐይታ፣ ድሕር ቲ ሥጋዊ ሞትና፣ ናይ ትንሣኤና ተስፋ ዚህበና ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቲ ሕጂ ኣብ ዚ ሕይወት ዚ ከቢቡናን ብዝተፈላለየ መልክዑን ኣገባብራኡን ዚፃረረናን ዘሎ ሓይሊ ክፍኣት ከም ንዕወተሉ ርግጽነት ዘጨብጠና ውን እዩ።

ቀጺልካ ንምባብ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት PDF ጽዓን

Last Updated on Thursday, 01 June 2023 16:22
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 12 guests online