www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news መግለጺ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ) ንዝኽሪ ግዳያት ኤርትራውያን ፡ ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ 03 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም.
መግለጺ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ) ንዝኽሪ ግዳያት ኤርትራውያን ፡ ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ 03 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም.
Monday, 02 October 2023 19:48

ጥቅምቲ 03 ፡ ኣብ ታሪኸ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ፈጺማ ዘይትርሳዕ ጸልማት ዕለት እያ ። ልዕሊ 365 ኤርትራውያን፡ ንማአከላይ ባሕሪ እናቖረጹ ፡ ኣብ'ታ ዝተሳፈሩላ ጀልባ ብዝተላዕለ ባርዕ ፡ ብነበልባል ሓውን ናብ ባሕሪ ብምጥሓልን ፡ ብቕጽበት ዝሃለቑላ ዕለት እያ ። በዚ ዘሕዝን መቕዘፍቲ'ዚ ድማ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ፡ መንግስታትን ማሕበረ-ሰብን ዓለም ፡ ኣብ ዓሚቕ ሓዘን ዝተሸመሙላ መራር ናይ ጸልማት ዕለትውን'ያ ። ብኣንጻሩ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ጉጅልኡን ንዜጋታትና ኣፍልጦ ንዘይምሃብ ፡ 'ስደተኛታት ኣፍሪቃ' ብምባል ፡ ኤርትራውነቶም ዝኸሓዱላ ዕለት እያ ። ካብ ሰብኣውነት ንላዕሊ፡ ምስልን ፡ ክብሪ ስርዓቱ ምሕላው ዝዓጦ ጨካን ስርዓት ኢሳያስ-ህግደፍ ፡ ነቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ሂወቶም ብሰላም ናይ ምምራሕን ሰሪሖም ናይ ምንባርን ዕድሎም ኣጸልሚቱ ፡ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ዘገደዶም ዜጋታት፡ ከም ኤርትራውያን ኣፍልጦ ክህቦም ፍቓደኛ ኣይነበረን ። ልዕሊ’ዚ ኣዝዩ ዝኸፍአ ድማ፡ ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ቤተ-ሰብ ግዳያት ደማ ብፍላይ ፡ ዘይሓዊ ቁስሊ ዘዕረፈ ፡ ኣብ መሬት ዓዶም ሓመድ ድበ ዝለብሱሉ ዕድል ፈጺሙ ምንፋጉ እዩ ። ስለዝኾነ'ውን፡ ኣብ ዓዶም ብሂወት ናይ ምንባር ዕድል ዝተሓረሞም ወገናትና ፡ ብዘሰቅቕ ምስ ተቐዝፉ ድማ፡ ሓመድ ድበ ዓዶም ተኸልኪሎም ክሳብ ሕጂ ኣብ መሬት ዓዲ ጣልያን ኣብ ጊዝያዊ ጎዳጉዲ ክጸንሑ ግድን ኮይኑ ምህላዉ ዘደቅስ ኣይኮነን ።

ቀጺልካ ንምንባብ፣ ኣብዝስዕብ ቀለበት ጽዓን። PDF link

Last Updated on Monday, 02 October 2023 20:05
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 489 guests online