www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ዝኽሪ ዖናን በስክዲራን 2023
ዝኽሪ ዖናን በስክዲራን 2023
Wednesday, 29 November 2023 17:46

መግዛእታዊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ “ኤርትራ፣ መሬታ እንበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ካብ ዝብል ጭርሖ ተበጊሱ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ይኹን ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ግዳይ ማእሰርትን ቅንጸላን ገይርዎም ኢዩ።  

ብ1967 ዓ.ም ድማ “ዓሳ ንምቕታል ባሕሪ ምንጻፍ” ካብ ዝብል ኣረሜናዊ ፖሊሲታቱ ተበጊሱ ነቶም ካብ ከተማታት ወጻኢ፡ ኣብ ደንበታትን ንኣሽቱ ቁሸታትን ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ወተሃደራቱ ዝቆጻጸርዎም ዓበይቲ ከተማታትን ዓድታትን ክግዕዙ ዘገድድ ውሳኔ ኣሕለፈ። ካብ’ዚ ውሳኔ’ዚ ተበጊሱ ድማ ኣብ ምዕራባውን ምብራቓውን ቆላታትን ኣብ ኣከለጉዛይን ሰንሒትን ዝርከባ ዓድታት ከቃጽልን ክቐትልን ጀመረ። ገለ ካብ’ተን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝተቓጸላን ህዝበን  ድማ ግዳይ ናይ ቅትለት፡ ምፍንቃልን ስደትን ዝዀና ዓድታት ንምጥቃስ ዝኣክል ዓድ’እብራሂም፡ ዓድ ኩኩይ፡ ተኾምብያ፡ ምስያም፡ ሃዘሞ፡ ሶይራ፡ ዓይለት፡ ኣኽዋር፡ ገምሆት፡ ሕርጊጎ፡ ጀንገሬን፡ ሓልሓል፡ ፋና . . .ወዘተ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ግፍዕታት’ዚ ብ1967 ዓ.ም ልዕሊ 30,000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ተሰዲዶም፥ ክሳብ ሕጂ ድማ ውሑዳት እንተዘይኰይኖም እቶም ዝበዝሑ ናብ ዓዶም ኣይተመልሱን።

 

 ምሉእ ትሕዝቶ ክተንብቡ  ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን PDF link

Last Updated on Saturday, 23 December 2023 16:57
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 23 guests online