www.blina.org

ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ንሕቶ ፎርቶ ዝድግፍ ብዕለት 08.02.2013ዓም ኣብ ጀኔቭ ሃገረ ስዊስ ተኻይዱ። PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Wednesday, 13 February 2013 22:26

ጋዜጣዊ መግለጺ፣
ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ንሕቶ ፎርቶ ዝድግፍ
ብዕለት 08.02.2013ዓም
ኣብ ጀኔቭ ሃገረ ስዊስ ተኻይዱ።

ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ዕቕ ኢልዎም ንዘሎ ጭቆናን ምዝመዛን ንምምካት ብቆራጽነት ኣብ ፎርቶ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ናይ ሚኒስትሪ ዜና ደዩቦም፣ ንመደበር ቲቪ ብ21.01.2013 ዓ.ም ተቖጻጺሮም፣ ብዘይቅድመ ኵነት ናይ ፖሎቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፣ ቁዋም ክትግበር..ወዘተ ዝብል ጠለብ ብትቪ ካብ ዘቕልሑ፣ ኣብ ስዊስ ደገፍ ህዝቢ ከም ዘለዎ ንምርዳእ ደንበ ተቓውሞ ሓደ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ኣብ ምቅርራብ ከም ዝነበረ ኩሉ ዝፈልጦ ኮይኑ እነሆ ብዕለት 08.02.2013ዓም ኣብ ኣደባባይ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስትታት ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ።

ምስ’ቲ ሕጽረት ግዜን ምስ ቁሪ የካቲትን 500 ዝግመት ህዝቢ ተረኺቡ። ዝበዝሔ ቁጽርን ወኒ ቓልስን ዘርኣየ መንኣሰይና ከም ዝነበረ ብኣድናቖት ንገልጾ። መንፈስ ቃልሲ ዘሕይልን ንሓድነትና ዘትርርን ግጥምታት ብትግሬን ትግሪኛን ዓረብን ብስነ ጥበበኛታት ተነቢቡ፣ ብባንዴራታትን ብዓበይቲ ጽሑፋት ንፍሽስቲ ዝውግዱን ደሚቁ፣ ስላ ኣሓትና ሕንባሻታት ከም ብላዕካ ከም ዝነበረ ብሓጺር እናገለጽና ብጭርሖታትና’ቲ ከባቢ ነቕኒቕዎ ዊዒሉ።
ካብ ጭርሖታት ገለ ወስ ክነብል፣ “ንሕና ምስ ሰራውትና ኣሎና” “ሕቶ ሰራዊትና ዲሞክራስያዊ’ዩ” “ስርሒት ፎርቶ ኣብ ልብና ሓውልቲ ኣለዋ” “ሓድነትና ጽኑዕ’ዩ ብሃይማኖት ብኣውራጃ ኣይንዕሾን” “ይኣክል ምልኪ ይምራሓና ሕጊ” “ፋሽስቲ ክወድቕ ሰዓቱ ኣኺሉ ወዲ ሃገር ተለዓል” ብዙሕ ጭርሖታት ክዘንብ ዊዒሉ’ዩ።
ኣብ ቤትጽሕፈታት ሕቡራት መንግስታት ተጣበቕቲ መሰል ወዲ ሰብን፣ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ስደተኛታትን ሽማግሌ ካብ ማእከልና ኣውጺእና ንኹነታት ሃገርና ዝገልጽን  ኣቤቱታን ጽሑፍ ቐሪብና።
ብኸም’ዚ ካብ ሰዓት 12፣00 ጀሚርና ክሳብ ሰዓት 16፣00 ጸኒሕና ብዓወት ሰላማዊ ሰልፍና ደምዲምና።
ውድቐት ንፋሽሲቲ ምሕደራ ኢሳያስ!!!
ሰማእታትና ክኸብሩን ክዝከሩን ይንበሩ!!
ዓወት ንመላእ ህዝብና!!
ሽማግሌ ሰላማዊ ሰልፊ ንለውጢ ስውሲ

 

Last Updated on Monday, 15 July 2013 23:16
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 125 guests online