www.blina.org

ምትእኽኻብ ተሓለቕቲ ዲሞክራሲ ኤርትራውያን ኣብ ቦሎኛ ኢታሊ PDF Print E-mail
Friday, 19 July 2013 19:16

 

ኤርትራውያን ንጉዳይ ዲሞክራሲ ሕምረት ጌሮም ዘካይድዎ ቃልሲ ዝድህስስ ኣህግራዊ ርክብ

ኣብ ቦሎኛ ኢታሊ ካብ 30 ነሓሰ ክሳብ 1 መስከረም 2013 ክካየድ’ዩ።

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (....) ንኩሎም ውልቀ-ሰባትን

ጉጅለታትን ኣብዚ ነጻ ክፉት ዘተ ንክሳተፉ ንህሉው ኩነታት ተቓወምቲ ሓይልታትን መጻኢ

ዕድል ሃገርናን ክዝትዩ ጻውኢት የቕርብ።ንሕና ዝኾነ ሰብ ነጻ ኮይኑ ኣብዚ ኣጋጣሚ

ክሳተፍ ኢና ንደሊ፣ ስለዚ ብሓባር ኮይና ፍታሕ ንምንዳይ ከኣ ከኽእለና’ዩ” ይብል ሓደ

ኣባል ናይታ ካብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝወጸት ወዳቢት ኮሚተ።

እዚ ርክብ ቦሎኛ፡ ኪኖ ውዳበን ክትእን ብምሕላፍ፡ ብሕብረት ሓደ ዝተጨበጠ ለውጢ

ንምምጻእ ንቃልሲ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስጓሙን መስርሕ ዲሞክራሲ

ንምስሳንን ዝዓለመ ክኸውን’ዩ።

ቀንዲ ዕላማታት ርክብ ቦለኛ ሰለስተ’የን፡-

1. ዓቕሚ ተቓወምቲ ሓይልታት ምሕያልን ካብ ዝኾነ ጣልቃ ደጋዊ ሓይልታት ነጻ

ንክኸውን ምርግጋጽ።

2. ንሓስ ወለዶ መሪሕ ተራ ንክጻወት ምሕያል

3. ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ተሓለቕቲ ዲምክራሲ ስጉምቲ ክወስዱ ምትብባዕ

ታሪኽ ከተማ ቦሎኛን ኤርትራን

ፈስቲቫል ቦሎኛ ኣብ 80ታትን 90ታትን ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ዝመጽኡ

ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ነቲ ነጻነት ንምምጻእ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣንጻር ግዙፍ

ሰራዊት ደርግ ዝቃለስ ዝነበረ ሓይሊ ንምድጋፍ ዝራኸቡላ ቦታ’ያ ኔራ።

ኣብዚ ኤርትራዊ ሓበንን ተኣማንነት ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ወሪድሉ ዘሎ እዋን፡ ተቓዋሚ ሓይሊ

ድኹምን ዘይጡርኑፍን ኣሎ፣ እቲ ዝበዝሐ ኣጽቂጡ ዝዕዘብ ጌና ኣጽቂጡ ኣሎ። ነቲ ኣብ

ውሽጢ ኤርትራ ስለ ዲሞክራሲ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ብርኣይ ወይ ዝተወደበ መንገዲ ክሕግዝ

ኣይክእልን ኣሎ። ነዚ ኩነት’ዚ ንምቕያር ከኣ ናትና ሓላፍነት’ዩ። ዲሞራሲያዊ ክብሪን ነጻነት

ሱር-ተከላዊ ምንቅስቓሳትን እናዓቀብና፡ ታሪኻዊ ቅያ ቦሎኛ ዳግማይ ኣበራቢርና ቃልስናኣንጻር ጨፍላቒ ስርዓት ተበራቲዑ፡ ነብሰ-ተኣማንነትን ተስፋን ዳግማይ ኣብ ህዝብና ከስርጽ

ትጽቢት ይግበር።

ምዝገባ፡-

ምዝገባ ተኸፊቱ ኣሎ። ክትሳተፉ ትደልዩ ግዱሳት ኣብ መርበብ ሓበሬታ

http://goo.gl/peMhw ብምኻድ ክትምዝገቡ ትኽእሉ። ቅድሚ ሓምለ 25

እንተተመዝጊብኩም EUR 95 ጥራሕ ክትከፍሉ ክትሕተቱ ኢኹም። ድሕሪ ሓምለ 25 ግን

E ዋጋ ናብ EUR 110 ክብ ክብል’ዩ። እዚ ዋጋ’ዚ ናይ ኮንፈረንስ ዋጋ፡ ክልተ ምሳሕ፡ ሓደ

ድራር፡ ቡንን ኣብ ዓርቢን ቀዳምን ዝግበር ካልእ መዘናግIታት ክሽፍን’ዩ።

ድሕረ-ባይታ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ይመሓደር ኣሎ። ኣብ ዓለም

ብደረጃ ጨቋኒ ምሕደርኡ 2 ደረጃ (ድሕሪ ሰሜን ኮርያ) ይስራዕ። ነጻነት ኤርትራ ካብ

ዝጓናጸፍ ልዕሊ 20 ዓመታት ሓሊፉ’ሎ፡ እታ ሃገር ግን ክሳብ ሕጂ ብሓደ ሰልፊ ጥራሕ

ትመሓደር ኣላ። ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ነታ ሃገር ናብ ፍጹም ተነጽሎ ብምምራሕ ኣብ

ዓለምና ዝደኸየትን ዝተጨቆነትን ሃገር ከምትኸውን ጌርዋ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ረባሺ

ብመንገዲ ... ዝወጽዕ ዜና፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ህግደፍ ኣብ ንግዲ ሰብን ህዋሳት

ኣካላት ዕሸላት ኤርትራውያንን ብንጥፈት ይዋስእ ምህላዎም’ዩ። እቶም ቀንዲ ግዳያት ናይዚ

ድማ ነቲ ስርዓት ዝቃወሙን ዑቑበኛታትን ኢዮም።

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (....) ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝመደበሩ ናይ

መንእሰያት ምንቅስቓስ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ፍትሕን ንክሰፍን ኣንጻር ጽልዋ

መላኺ ስርዓት ዝቃለስ ጥርናፈ’ዩ።

ርኸቡና፡-

Eritrean Youth Solidarity for Change (EYSC)

Email: This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

Facebook: http://www.facebook.com/groups/eritreanyouth

Website: www.eysc.net

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 113 guests online