www.blina.org

ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደ.ግ.ሓ.ኤ) ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ፤ PDF Print E-mail
Saturday, 08 March 2014 15:09

ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣነስትዮ፤

 

8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮ ከም ታሪኻዊት ናይ ቃልስን ሕራነን ዕለት ኮይና ክትባዓል ዝገበረ ታሪኽ ፡ ውጹዓት ደቀ-ኣነስትዮ ንሕሉፍ ደርባዊ ፡ጾታውን ባህላውን ጽቕጠትን ቁጠባዊ ምዝመዛን ተቓዊመን ፡ንመሰለንን ማዕርነተንን ክብላ ዝኸፈለኦ መስዋኣቲ ንምዝካርን መናሃሪ ናይ ቃልሰንን ንኽትከውን ዝተወሰነት ታሪኻዊት ዕለት እያ።

8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንመበል 104 ዓመት ከነኽብራ ከለና፡ሎሚ’ውን መሰል ደቀ-ኣንስትዮ ብዓለም ደረጃ ብምልኣት ስለ ዘይተኽብረ ምሉእ መሰልን ማዕርነትን ተጠቃምነትን ናይ ደቀ-ኣነስትዮ ንምርግጋጽ ዘየቋርጽ ቃልሲ እናተኻየደላ እትኽበር ዘላ ታሪኻዊት ዕለት እያ።

ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

8 መጋቢት ዓለም-ለኻዊት መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ እትኽበረሉ ዘላ ህሞት ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝወርደኩም ዘሎ ፖ/ዊ ጭቆናን ምዝመዛን ስእነት ፍትሕን ኣድልዎን ብተወሳኺ ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብዝተደራረበ ደርባዊ፡ጾታውን ባህላውን ጭቆና እናተሳቐያ ነዛ ታሪኻዊት ክብርቲ ዕለት የኽብራኣ ከም ዘለዋ ንዓኻትኩም ንውጹዓት ህዝብታት ምዝርዛር ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ።ስለ ዝኾነ ኤርትራውያን ደቀ-ኣነስትዮ ብስመን እናተሸቀጠለን ካብ ዝሓለፈ ብዝኸፍአ መልክዑ ናይ ዘበናዊ ባርነት ኣርዑት ተጻዒኑወን፡ብውላደን፡ጉልበተንን ገንዘበንን ነዚ ገባቲ ስርዓት ከገልግላ ተፈሪደን ምዉቕ ናብራን ብሩህ መጻእን ተሓሪሙወን ብስእነትን ድኽነትን እናተሳቐያ ኩሉ ነገር ጽልምትምት ኢሉወን፡ንስደትን ንዝተፈላለዩ መከራን ሓደጋን ናይ ስደት እናተሳጥሓ ይሳቐያ ኣለዋ።እተን ኣብ ውሽጢ ሃገር ተሓይረን ዝነብራ ዘለዋ ድማ ብስም ሃገራዊ ግቡእን ውደባ ማሕበር ደቀ-ኣነስትዮን ዝብል ሽሕጣንን ድፍኢትን ኣብታ ሓንቲ ካብተን ስማውያን ማሕበራት መሳርሒ ናይቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ዝዀነት ማሕበር ሃ...ኤ ብጸቕቲ ክውደባ ብምግባር ጸረ መሰለንን ጠቕመንን ኣብ ዝኾነ ግዴታታት ተዋፊረን ነቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ኣብ ምግልጋል ይርከባ ኣለዋ።ስለ ዝኾነ ድማ ናብ ዝኸፍአን ዝዓሞቘን ማሕበረ-ቁጠባዊ ሽግራት ተሳጢሐን ይርከባ ኣለዋ።

ውጹዓት ደቀ-ኣነስትዮ ኤርትራ!

እዛ ታሪኻዊ ዕለት ኣብ ኣተብዕላሉ ዘለኽን ወቕቲ፡ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ከም ህዝብን ሃገርን ንህልውነኦምን ቀጻልነቶምን ዝጻባእን ዝፈታትንን ኩነታት ማዕቢሉ እቲ ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን መንግስታዊ ጉጅለ ብኩሉ መዳዩ ተዳኺሙ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ክወድቕ ተቓሪቡ፤ኣብ ዘይህልውንኡ ንህዝብን ሃገርን ዘጸግም ኩሉ መዳያዊ ሕማቕ መደባት እናወጠነ ሎሚ’ውን ከም ቀደሙ ናይ ነባራትን ሓደስትን ዓሰብቱ ናይ ውክልና መልእኽቲ ክፍጽም ናይ ባዕዲ ሓይልታት መሰልጠንን መዋፈርን ብምዃን ናይ ሃገርናን ከባቢኣን ሰላምን ምርግጋእን ብምዝራግ ንህዝብታትና ዘይቅኑዕ መስዋእቲ ክኸፍሉ፡ ናብ ዝገደደ ህልቂትን ኣደራዕን ዝተደራረበ መከራን ንምስጣሕ ኣብ ምጽዓር ይርከብ ኣሎ።ህዝብታትና ድማ ኩሉ ነገር“ዓሚ ይሓይሽ”ኮይኑዎም ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሎም መሊኡ ተጋሂሱ፡ ኣብ ከቢድ ስእነትን ድኽነትን ተነጽሎን ብምዃን ኣዝዩ መሪር ሂወት እናሕለፉ ነዛ ታሪኻዊት ዕለት ዘኽብሩዋ ዘዉ።

ጀጋኑ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ታሪኻዊት ዕለት 8 መጋቢት ብታሪኻውነታ ንጭቁናት ደቀ-ኣነስትዮ እትምልከት ዳኣ ትኹን’በር ብባህርያታን ዕላማኣን ግን ንኩሎም ውጹዓት ሕ/ሰብ ዓለም እትምልከትን ኣትሓውስን ባህርያዊት ዕለት’ያ።ስለ ዝኾነ ውጹዓት ደቀ-ኣነስትዮ ኤርትራ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና ፡ኣንጻር ባዕዳውያን ተበራረይቲ ገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ዝተገብሩ ቃልስታት ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግለጽ ልዑል ናይ ቃልሲ ተራ ተጻዊተን፡መስዋእቲ ከፊለንን እየን።ዋጋ ቃልሰንን መስዋእተንን ግን ከም ኩሉ ውጹዕ ሕ/ሰብና ኣይረኸባን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናብ ዝኸፍአን ዝኸበደን ድርብ ጭቆናን ምዝመዛን ኩሉ-መዳያዊ ኣደራዓትን ተሳጢሐን ኣብ ምስቓይ ይርከባ።ካብዚ መስገደል’ዚ ንምንጋፍ ክብላ ድማ ምስ ኣሕዋተን ደቂ-ተባዕትዮን ሓፋሽ ህዝበንን ብምዃን ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቅላስ ይርከባ ኣለዋ።ውጹዓት ተቓለስቲ ደቀ-ኣነስትዮ ኤርትራ ዘካይደኦ ዘለዋ ቃልሲ ብውደባ ደረጃ ክረአ ከሎ፡ድልዱል ውደባ ክውንና ስለ ዘይበቕዓ ድኹም ጐኒ ናይ ቃልሰን ኮይኑ፡ ኣድማዒ ናይ ቃልሲ ተራ ከበርክታ መታን ክበቕዓ ዝጭበጥ ውዳበ ክውንናን ከደልድላን መድረኽ ህዝባዊ ቃልስና ዝጠልቦ ዘሎ ኣገዳሲ ናይ ቃልሲ ጉዳይ እዩ።ነዚ ኣገዳሲ ዕማም’ዚ ናይ ምምላስ ሓላፍነት ብቕዳምነት ንተቓለስቲ ደቀ-ኣንስትዮ ዝምልከት ጉዳይ እኳ እንተኾነ ብዕላማን ናይ ቃልሲ ሓላፍነትን ግን ንኹሉ ተቓላሳይ ዝምልከት’ዩ፤ስለዝኾነ ፡ ናይ ደቀ-ኣንስትዮ ውደባ ክጭበጥን ክድልድልን ንቃለስ።

 

ውጹዓት ተቓለስቲ ደቀ-ኣነስትዮ ኤርትራ!

ነዛ ክብርቲ ዕለት ኣብ እነኽብረሉ ዘለና ወቕቲ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓፈሻ ክንግምግም እንከለና፡ብዝሒ ኣባላቱን ስፍሓቱን እናዓበየ ኣብ ምምራሽ ዝርከብ ዘሎ ይኹን ዳኣ’በር ኣብዚ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝካየድ ዘሎ ግዜ ዘይህብ ቃልሲ ከምቲ ብዝሑን ስፍሓቱን ውህደትን ስጥመትን ክውንን ፡ተደጋጊፉን ተኣማሚኑን ክቃለስ ዘይምብቅዑን ብሓፈሻ ርኡይ ጉድለትን ድኽመታትን እናርኣየ እዩ ዝቃለስ ዘሎ።እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ግን ኣብዚ ግዜ’ዚ ብርክት ዝበሉ ፖ/ዊ ውድባት ኣብ ዝተሓተ ሓባራዊ ነጥበ ስምምዕ ብምብጻሕ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ብምጥርናፍ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምቅላስ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምርግጋጽ ክቃለሱ ዝወሰኑን ንግብራውነቱ ይዋስኡን ብምህላዎም ተስፋ ዝህብ ክድገፍ ዝግበኦ ናይ ቃልሲ ተርእዮ’ዩ።

ደምበ ተቓውሞና ብዘራኽቦ ሓባራዊ ዕላማ ተመሓዝዩን ተደጋጊፉን ኣድማዒ ቃልሲ ከካይድ ንክበቅዕ ንቐሕ ተሳትፎ ናይ ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ናይ ኤርትራውያን ደቀ-ኣነስትዮ ውዱብ ተሳትፎ ካኣ ብፍላይ ኣድላዪ ስለ ዝኾነ፡ ሓፋሽ ህዝብታትና ብሓፈሻ ደቀ-ኣነስትዮና ድማ ብፍላይ ፡ተቓወምቲ ሓይልታትኩም ብምሕያል ኣብ ልዕሊ ድኽመቶምን ጸገሞምን ኣወንታዊ ተጽዕኖኹም ብምግባር ኣወንታዊ ናይ ቃልሲ ተራኹም እናተጻወትኩም ሰውራኹም ብምሕያል ዛዛሚ ዓወትኩም ንምቅልጣፍ ብካልእ ዘይትካእ ወሳኒ ናይ ቃልሲ ተራኹም ኣሐይልኩም ክትቃለሱ በዛ ታሪኻዊት ዕለት ደግሓኤ ናይ ቃልሲ ጻውዒታ ተቕርበልኩም።

ተቓለስቲ መንእሰያት ኤርትራ!

ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ድኽመታትን ዛሕልን ክፍጠር ምኽንያት ካብ ዝኸውን ዘሎ ሓደ ዓቢ ረቛሒ እቲ ኣብ ሕ/ሰብና ወሳኒ ተራ ዝጻወት መንእሰይ ክፍሊ ኣብ ቃልሲ ብምልኣትን ብብቕዓትን ተሳትፍኡ ብምርግጋጽ ካብኡ ዝጥለብ ናይ ህዝብን ሃገርን ጾር ክስከም ዘኽእሎ ፖ/ዊ ፍልጠት ክጭብጥ፡ ናይ ተሳትፎ ዕድል ክረክብን ብዘይምኽኣሉ ምኻኑ ሓቂ እዩ። እዚ ከም ዘለዎ እናኣሃለወ መንእሰይ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱን ዘጋጥሞ ዘሎ ብደሆታት እናመከተ ዘካይዶ ዘሎ ቃክሲ ዘዕግብ እኳ እንተዘይኮነ ዘተባብዕን ተስፋ ዝህብን ናይ ቃልሲ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ እዩ።መንእሰያት ኤርትራ ካብኦም ዝሕተት ምልኣት ዘለዎ ናይ ቃልሲ ተራ ክጻወቱ ክበቕዑ ግን ንጹር መርሖ ናይ ቃልሲ ክጭብጡ፡ንኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ዝሓቁፍ ማሕበር ክውንኑን ካብ ሕድሕድ ናይ ምንጽጻግ መንፈሳትን ዝተፈላለዩ ድሕረታትን ሓለኽቲ ነገራትን ተናጊፎም ኣብ ደምበ ተቓውሞና ተሳትፎኦም ብምሕያል ልዑል ናይ ቃልሲ እጃም ክጻወቱ ህዝባዊ ቃልስና ይጠልቦም እዩ ዘሎ።በዚ ኣጋጣሚ መንእሰያትና ሓቛፊ ውደባ /ማሕበር/ ብምጭባጥ ኣብ ዘካይድዎ ቃልሲ ደግሓኤ ኣብ ጎኖም ኮይና ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድን ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምርግጋጽን ከም እትቃለስ ክትገልጽ ትፎቱ።

ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ዘንጻላሊኩም ዘሎ ሓደጋ ናይ ውድቀትን ምብትታንን ንምውጋድ፡ኣብ ፍርቂ መስርሕ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልስኹም መሊኣኩም ንምዕዋት፡ኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ ጥራሕ ክረጋገጽ ከም ዝካኣል ዝእመነሉ ጉዳይ እዩ።ስለ ዝኾነ እተካይድዎ ዘለኹም ሓርነታዊ ቃልሲ ብምልኣት ሽትኡ ክሃርምን ካብ ግዝያዊ ዓወትን ፡ጽገናን ምብርዓንን ንምድሓን ክትክእሉ ህዝባዊ ደሞክራስያውዊ ዕላማ ጨቢጥኩም ተወዲብኩም ዘላቕን ኣተኣማማንን ዓወት ክተረጋግግጹ፡ሰውራኹም ኣሐይልኩም ንምድምሳስ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ክትቃለሱ ብኣጋጣሚ እዛ ክብርቲ ዕለት ደግሓኤ ናይ ቃልሲ ጸዋዒታ እናኣቕረበት፡ ኣብ ጐንኹም ኮይነ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ክትረባረብ ምዃና ትገልጸልኩም።

 

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ብናይ ውጹዓት ስሙር ቃልሲ ክረጋገጽ እዩ!

8 መጋቢት ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ደቀ-ኣነስትዮ ንዘለ-ኣለም ተኸቢራ ትንበር!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(...) 8 መጋቢት 2014

Last Updated on Saturday, 08 March 2014 15:12
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 17 guests online