www.blina.org

ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ፡ ማእከላይ ሽማግለ፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)፡ PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Thursday, 17 September 2015 19:06

ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) ካብ 25 ክሳብ 31 ነሓሰ 2015 ተኻይዱ።

ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማ/ሽማግለ ውድብና፡ ኣብ ፍሉይ ታሪኻዊ ኩነታት እዩ ተሰላሲሉ። ብሓደ ወገን፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ገደብ ዘይብሉ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ብዓሚቕን ሰፊሕን መጽናዕቲ ተሰንዩ፡ ብጉጅለ መጽናዕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቅርዓት ዓለምና ዝተቓልዓሉ እዋን እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ንግናይ ምስሊ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣጉሊሁ ክርኢ ዝበቕዓሉ እዩ፤ ህግደፍ ብዓቕሊ ጽበት ተወጢሩ፡ ብስነ ምግባር ዝጎደሎም ወኪላቱን ዕሱባቱን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዝለመዶ ግዕዙይን ዕዋላውን ባህርያት፡ ኣብ ጀነቫ ዓዲ ዲሞክራሲ ብግህዶ ከንጸባርቕ ዝተገደደሉ እዋን እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ብሓፈሻ፡ ኣብ ኣውሮጳ፣ እስራኤል፣ ኣሜሪካን ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያን ድማ ብፍላይ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን፡ ማዕበላዊ ዝኾነ ደገፎም ብዓውታ፡ ንጉጅለ መጽናዕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘሰምዑሉ ታሪኻዊ እዋን እዩ ተሰላሲሉ።


For full text...click Readme.!

Last Updated on Thursday, 17 September 2015 19:22
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 79 guests online