www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ንመበል ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ነጻነት ኤርትራ፣ ንምብዓል ብዲሞክራድስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ዝቀረበ ውድባዊ መግለጺ።
ንመበል ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ነጻነት ኤርትራ፣ ንምብዓል ብዲሞክራድስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ዝቀረበ ውድባዊ መግለጺ።
Wednesday, 27 May 2015 19:04

ህዝብታት ኤርትራ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስዒሮም ሃገራዊ ናጽነቶም ካብ ዝጭብጡ እንሆ 24 ግንቦት 2015 መበል ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት በዓል ናጽነት የብዕል ኣሎ። ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኩናት ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣልያን ዝነበራ ሃገራት ብናይ ሽዑ ሓይልታት ኪዳን  ጉዳይ ኣብ ምውሳን ምስ ተበጽሔ መጻኢ ዕድልና ምስ ድሌታትና ብዝጋጮን ታሪኻዊ ዓመጽን`ዩ ተዛዚሙ፡፡ ነዚ ታሪኻዊ ግፍዒ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምስዓር`ዩ ህዝብና ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እንቢ ንመግዛእቲ ብምባል ብ1961ዓም ዓጢቁ ዝተላዕለ፡፡ ነዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ 24 ግንቦት 1991 ንምብጻሕ ብመላእ ህዝብና ዝተኸፍለ ዋጋን ሓቢርና እንዳዘከርና፡ንመዓልቲ ናጽነት ሃገርና ንምብዓል ብሽም ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን/ሆደ እንቋዕ ኣብ’ዚ ኣጻሓና ኣብጻሓኩም ንብል።

 

ህዝብታትና ኤርትራ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነቶምን መሰሎምን ክብሉ፡ ኩሉ ክኽፈል ዝግብኦ ዋጋ ከፍሎም፡ ዓለም ብዓለማ ጸማም እዝኒ ሂባ እንከላ 1991 ግንቦት 24 ናጽነቶም ጋህዲ ክትከውን ጌይሮም። እንተኾነ 24 ግንቦት ፍሉይ ክብራ ኣብ ቦትኡ ከሎ፡ ሎሚ ህዝብታትናን ሃገርናን ኣብ ምንታይ ኩነታት ኮይኑ የብዕል ኣሎ ኢልና ክንርኢ ከኣ ሕድሪ ሱዉኣት  ኣሎና። እዚ ጸቢብ ጉጅለ ንስልጣኑ ንምንዋሕ ንህዝብታት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነት ዕስክርና ቀሪኑ፣ ኣብ ዘይ-ፍትሓዊ ኲናት ምስ ጎረባብት ጠቢሱ፣ ልዕሊ ቐዳማይ ኲናት ዝወደቑ ንላዕሊ ሂወት የህልቕ ኣሎ። መንእሰያት ሃገሮም ከም ዑንቊ ጸቢባቶም  ሃጽ ኢሎም ኣብ ባሕርን ኣብ ምድረበዳን ከሓቁን ከጥፍኡን፡ ቑጠባ መሬት ዘቢጡ ንህዝብታት ኤርትራ ኣብ ምድራዊት ሲኦል የንብሮ ኣሎ። ናይ ሎሚ 24 ግንቦት ኣብ’ዚ ኩነታት ኮይና ኢና ነብዕላ ዘለና።  ፍሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ንህዝቢታት ኤርትራ ከም ተራ ንብረቱ  ማለት ስእንን ክዳንን ቆጺሩና ኣብ ኩሎም ናይ ትምክሕቲ መደባቱ ብዘይ ገደብ ክነገልግል ብፖሎቲካን ብሓይልን ይግድደና ኣሎ። ስድራን ዓድን ባይቶን ሕግን ስርዓትን ቋንቋን ባህልን ሓሚስዎ፣ ነቲ ብኽንደይ ጻዕሪ ብቓልሲ ዝተነድቐ ሓድነት ሃገር ኣብዘን ዝሓለፍ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ኣብ ሐደጋ ምብትታን ኣሳጥሒዎ ይርከብ።

 

ነዚ ናይ ጥፍኣት መደባቱ ምትግባር ዝተቃወመን፡ ንሰብኣዊ ክብሩን ዲሞክራስያዊ መሰላቱን ክሕለወሉ ዝጠለበን፡ ኤርትራ ሃገርና፣ ኣብ ብዙሕነት እተመስረተት፣ ናይ ብሄራትን ብሄረሰባትን፣ ናይ ብዙሓት ሃይማኖታትን መለለይት ሃገር’ያ ኢሉ ንዝተጣበቀን፣ ከም ጸረ-ሃገርን ክድዓትን ኣምሲሉ ንገርህታት እናታለለ ጸለሎ እናቐብኤ ክሳብ ሎሚ ትልኽ ይብል ኣሎ።

 

ኣዚ ሕማቅ ናይ ምግባት ባህርያት`ዚ ብኣጋጣሚ ድሕሪ ናጽነት ያኢ ሃገር ምምሕዳር ከቢድዎ፡ ወይ ሕጽረታት ተምክሮ’ዩ ኢልካ ሸለል ዘይበሃሉ’ዮም።  እዚ ጉጅሌ እዚ ከም ውድብ ክፍጠር ኣትሒዙ ኣብ በረኻ እንከሎ ቀስ ብቀስ ምስኡ ዝዓበዩን ክሳብ ከም ስርዓት ካብ ገጽ ኤርትራ ዝድምሰስ ምስኡ ዝነብሩ ባህርያቱ’ዮም። እዚ ኢ-ሰብኢዊ ገበናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ክሳብ ጸሓይ ትዓርቦ ክገድፎ ኣይኮነን። ን24 ዓመታት ብኾንቱ ግዜን ሂወትን ቑጠባ ሃገርን ኣባዂኑ ኣሎ። ብስም ልዑላውነት ሃገር መዓልቲ ነጻነት እናበለ ዝገብሮ ዳንከራ ከዘንጋዓን’ዩ ዝገብሮ። ብዘይካ ስልጣኑ ህዝቢ የብሉ ሃገር እዚ ስለ ዝኾነ ባህርያቱ፡ ህግደፍ ደመኛ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን`ዩ። ሕጅውን ዶብ ሰጊሩ ካልኦት ዝወልዕዎ ኩናት ነቶም ዝተረፉ መንእሰያት ኤርትራ ክጠብስ ኣለኹ ይብል ኣሎ።

 

ደሞክራስይዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ ፡ ኣብ ቃልሲ ዘለው ሓይልታት ኣብ መንጎኦም ዘሎ ካልኣዊ ፍልልያት ንግዝይኡ ኣወንዚፎም ኩሉ ዓቅምታቶም ኣንጻር ሓበራዊ ጸላኢኦም ሰርዓት ህግደፍ ከቅንዑን፡ ብሓደ ድምጺ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝወርዶ ዘሎ ግፍዒ ከስሙዑን ኣብ ሓደ ዲሞክራስያዊ ጽላል ኮይኖም ክምክቱን ይጹዉዕ።

በዚ ኣጋጣሚ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ባ. ሕ. መ. ተሪር ውሳኔ  ኣብ ልዕሊ እዚ ገበነኛ  ሰርዓት ህግደፍ ክወስዱ ንጹዉዕ።

 

ነዞም መሬት ከም ዑንቊ ጸቢባቶም ሃገሮም ራሕሮሖም ዝስደዱ ዘለው ህዝብና ዝቀበላን ካብ ሞት ከድሕና ዝቓለሳን ሃገራትን ማሕበራትን  እናመስገና፡ ነተን ዑቑባ ዝነጽጋን ዝተፈላልየ ምኽንያት ፈጢረን ጸቕጢ ዝገብራ ሃገራት መሰል ስደተኛታት ከኽብራ ንጹዉዕ።  መዓልቲነጽነትናንመዓልቲ ሓርነት ከም እትወልድ ኣይንጠራጠርን!!

 

ዘለኣለማዊ ክብሪን ዝኽርን ንሱዉኣትና !!

ህዝባዊ ሓርነትና ናይ ግድን’ዩ!!

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ /ሆደ

ርእይቶኹም ኣይፈለየልና፣   Email> This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 63 guests online