www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ደገፍና ንሰላምዊ ሰልፊ ዕለት 23 ሰኔ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ዝግበር ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ
ደገፍና ንሰላምዊ ሰልፊ ዕለት 23 ሰኔ ኣብ ከተማ ጀኔቭ ዝግበር ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ
Thursday, 16 June 2016 17:42


ዲሞክራስያዊ ውድብ ቢሄረ ብሌን ካብ ዝብገስ ኣብ ሃገርና ሰላምን መሰል ብሄራትን ዝኸብር ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ክትከል ኣብ ቓልሲ ኣሎ። እዚ ንገብሮ ቕላሲ ካልኦት ገብርዎ ኢልና ንሞዳ ዝግበር ቕላሲ ከም ዘይኮነ እቲ ኣብ ኤርትራ ንዕስራን ሓምሽተን ዓመት ብዘይ ምርጫን ምርቓ ህዝብታት ኤትራን ነቲ ብኽንደይ ቕላስን መስዋእትን ዝመጽኤ ነጻነት ንሕፍንቲ ጉጅሌ ህግደፍ ኮይኑ ብዘይ ንሕስያ ዘይብሉ ጭቖና ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ንኣና ኤርትራውያንን ንዓለምን ዝተኸወለ ኣይኮነንን።
እዚ ዓመጽን ህልቒትን ህዝብታት ኤርትራ ንኣና ሓሊፉ ንጎረባብትናን ንኩሉ ዓለምን ግልጺ ስለ ዝኾነ ዓቐብቲ ሰላምን ተጣብቐቲ መሰል ቤት ጽሕፈታት ሕቡራት መንግስታት ከይተረፉ ከጽንዕዎ ፈቲኖም። ነዚ መደብ መጽናዕቲ ክሳብ ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ተፈጺሙ’ ኣሎ ዝብል ወስታ ስለ ዝተዋህበ ከኣ ብፍሉይ ነዚ ተጽኒዕ ሽማግሌ መዚዙ (UN Commission of Inquiry on Human Rights (COI)) ክርእዮን ክመርምሮን ድሕሪ ምጽናሕ ‘’እወ ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብመንግስቲ ኤርትራ ተፈጺሙ’’ ዝብል ቅኑዕ ውሳኔ ኣብ እዚ ውርሒ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት (UN Human Rights Council (HRC)) ክወርድን ዉሳኔ ክውሰድን’ዩ። ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ ይኹን ኩሉ ህዝብታት ኤርትራ ካብ’ዚ ዝተባህለ ንላዕሊ በደልን ገበንን ተሓቢኡን ተጸቂጡን ከም ዘሎ ንፈልጥ’ና። እንተኾነ ነዚ ሕፍንቲ ኢድ ኮሚሺን ዝቅርብዎ ንዘለዉ ‘’ሓሶት’ዩ’’ ክብሉ በቶም ኣመንቲ ጣኦታት ህግደፋውያን ሰላማዊ ሰልፊ ይዳሎ ከም ዘሎ ፈሊጥና ኣሎና። መሰልን ዲሞክራስያን ኣብ ሃገረይ የተንፍስ ኣሎኹ ዝብል ዜጋ ኣብ ሃገሩ ሰላማዊ ሰልፊ ዘይግብሮ ምኽንያት ኣሎዶ? መሰል ዝዓፈነ መንግስቲ ካብ ህዝቡ ከይተረፈ ስለ ዝፈርሕ ኣብ ግዝኣቱ ሰላማዊ ሰልፊ ኣየፍቕድን ኣብ ድገ ግን ብሓሶት ጎብለል ክኸውን ‘’ብመስለ ክሽቕጥ’’ ይፍትን። ነዚ ምድጋፍ ሃየንታ ኣለዎ።


ክቡራትን ኽቡራንን ብሄረ ብሌንን
ኽቡራን ኽቡራንን ዜጋትት ኤርትራ ኣሓትን ኣሕውትን


ህግደፋውያን ካብ እቲ መስረታዊ ሓቂ ካብ ዝርሕቁ 25ዓመት ወይ ካኡ ንላዕሊ ከም ዝገበሩ ብሩህ ኮይኑ ንሕና ንለውጢ ንቓለስ ከኣ ዓመታት ሙቑጻር ዘይኮነ ነዚ ቓልሲ ክንዛዝሞ ተግባርን ሕድገትን ስመረትን ንርእስኻ ምልዋጥ ማለት ነቲ ካልኦት ኣብ ሊዕሌኻ ክገብርዎ ዘይትደሊ ንስኻ’ውን ኣብ ሊዕሊ ካልኦት ዘይምግባር ዝብል ቅዱስ ዕላማ ክንኣምን ኣድላዪ ኮይኑ ኣሎ። ብፍላይ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ነቶም ዘደሉዉን ብሓፈሻ ከኣ ነዚ ክሲ ዝመስረቱን ንዓወቱ ዝደኸሙን እናመጎስና ኩልና ደለይቲ ለውጢ ክንሓድሮ ዝግባእ ታሪኻዊ ዕለት’ዩ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ጭውነትናን ሓድነታናን ድልየትና ንለውጥን ነርእየሉ፣ ስለ ዝኾነ ኩልና ክንመጽእ ምምጻእጻ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ንዝጎደለ መሊእና ተጻዊርና ንክንምርሽን ብስነጥበብን ብጽሑፋትን ብምዕሩግ ኣሰላልፋን ክነድምቆ፣  እቶም ብኣካል ክንርከብ ዝጽገመና ከኣ ነቲ መደብ ዕዉት ክኸውን ብርእይቶን ብሞራል ብቑጠባን ምሕጋዝ ሓላፍነትና ሙዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።

ፓልቶካትን ናይ ህዝቢ መራኽብታትን ኩሉ ውደባታት ደንበ ተቓዉሞን ደላይ ለውጢ  ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ሂቡ ኣብ ዘልዎ ቦታ ኮይኑ ብዓወት ክዛዘም ብጉልበትን ብቁጠባን ፕሮፓጋንዳን ናይ ኩልና ሓለፍነት ክኸውን ነዘኻኽር። ‘’ሓቒ ብርእሳ እንተቀብርካያ ብእግራ ተውጽእ’’።  ሓቂ ከይትቅበር ክንቓለስ ጸኒሕና ክሳብ ሙሉእ ዓወት ከኣ ክንቓለስ’ና። እዚ ውራይ ኤርትራውያን’ዩ። ንውራይና ደገፍ ንዝህቡና ከኣ ከም ባህልና ንሙጉሶምን ኣብ ርእስና ንሰቅሎምን። ዓለማዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንህዝብናን ንሃገርናን ንምድሓን ሽማግሌ ፍተሻ ሓቅታት (united nations commission of inquiry) ሓቅታት ሒዞም ክድግፉና ከለዉ ካብ’ዚ ዝዓቢ ዓወት ፖሎትካን ድፕብሎማስን የሎን፣ ኣብ ጎኖም ከም ዘሎና ከኣ ብግብሪ ነርዮም። ዮ ሃና ከኣ ንኹሉ ደንበ ተቓዉሞ። እቶም ብዕሙት ንመንገዲ ሓቂ ዝኸሓዱን ብፍርሒ ተሸቑሪሮም ዝኸዱን ብናኣይ ይጥዓመኒ ዝድግፉን ኣሓትናንን ኣሓዋትናን’ውን ‘’ኣበይ ኣሎ ሓዉኻ’’ ዝተባህለ ኣብ ድቓሶም ከም ዝርብጾም ኣይንስሕትን።
ክቡራት ደልይቲ ፍትሒ ዓቢ ስራሕ ፖሎቲካ ብዓወት ዪድምደም ኣሎ። ቐጻሊ እንታይ ክንገብር ከም ዝግባኣና ኩልና ንፈልጦ ስራሕ’ዩ። እዚ ሰልማዊ ሰልፊ’ዚ ግን ንዝተረፈ ብዓወትን ሙሉእ መሰል ህዝብታት ኤርትራ ኣውሒስና ክንዛዝሞ ከም ዝኾና ምስክር ክኸውን’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ፒያሳ ሕ/መ ጀኔቭ ዕለት 23 ሰኔ 2016 ዓም የራኽበና።
ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና!!!
ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ 15-6-2016 D.O.B.N.E  This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it


 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 55 guests online