www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ኣደ ብዙሓት ብሄራት ዝኾነት ሃገርና ብሓዯ ብሄር ይኹን ብሓዯ ሃይማኖት ኣይትዕብለልን
ኣደ ብዙሓት ብሄራት ዝኾነት ሃገርና ብሓዯ ብሄር ይኹን ብሓዯ ሃይማኖት ኣይትዕብለልን
Monday, 26 September 2016 10:29

ሃገርና ኤርትራ ኣደ ብዙሓት ብሄራትን ሃይማኖታትን ሃገር እያ። ኣብ ታሪኽ ናይ ሃገራውነት ይኹን ኣብ ታሪኽ ቅድመ ሃገርነት ከኣ ኩሎም ሃይማኖታትን ብሄራትን ብሓባር ኮይኖም ጸረ ናይ ሓባር ባዕዳውያን ጸላእቲ ዯኣ ክቃለሱ ጸኒሖም እምበር እቲ ሓዯ ተኻላኻልን ተሓላቕን ሃገር እቲ ካልእ ከኣ ከም ካልኣዊ ዜጋ ተቆጺሩ እቲ ካልእ ብዝመጠወሉን ብዝዓቀነሉን ክኸይድ ዝጸንሓሉ ኩነታት የለን።
ሃገርና ኤርትራ ንባዕዳውያን ገዛእቲ እሾኽ ኮይናቶም ዝጸንሐትን ንብዙሓት ዓበይቲ ወራራት ከፍሽሉን ክስዕሩን ዝኸኣሉሉ ቀንዲ ምኽንያት ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ሃይማኖታውን ብሄራውን ፍልልያቱ ብዘየገድስ ከም ዯቂ ሓንቲ ሃገር መጠን ብሓባር ክምክቱ ስለ ዝጸንሑ ጥራሕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ካብ ካልእ ህዝቢ ስለዝበልጽ ዘይኮነስ ብኽንድቲ ኣብ ልዕሊኡ ክወርድ ዝጸንሐ ወጽዓን በዯልን ክንድር ስለዝከኣለ ጥራሕ እዩ ኩሉ ተኣምራትዩ ክበሃል ዝኽእል ስራሓት ክሰርሕ ዝጸንሐ።


እቲ ምስጢር ጽንዓትና እምበኣር ሓድነታዊ መኸተና እዩ። እንተኾነ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተሓለቕቲ ናይ ሓዯ ሸነክ ይኹን ናይቲ ካልእ መሲሎም ነዚ መሰረት ጽንዓትና ዝኾነ ሓድነት ክሽርሽሩ ዝፍትኑ ኣካላት በብእዋኑ ክቀላቐሉ ጸኒሖምን ኣለዉን። ገለ ካብኦም ልዕልነት ናይ ሓዯ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ካለኦት ሃይማኖታት ክጽዕኑ ዝዯልዩ፡ እቶም ካለኦት ከኣ ልዕልነት ናይ ሓዯ ብሄር ኣብ ልዕሊቲ ካልእ ክጽዕኑ ዝዯልዩ እዮም። እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዝምባሌታትን ኣረኣእያታትን ብርግጽ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝሓልዩሉ ዝመስሉ ዘለዉ ሕብረተሰብ ግዝያዊ ተቐባልነት ዝረኸቡ ክመስሎም ይኽእል ይኸውን። እንተኾነ ግን ዘይሩ ዘይሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ንሓልየሉ ወይ ንሕለቐሉ ዝብልዎ ዘለዉ ሃይማኖት ወይ ብሄር ኣሉታዊ ጠመተ ክሰፍርን ውዒሊ ሓዲሩ ከኣ ግዳይ ናይቶም ካለኦት ክኸውንን ዝገብር ኣካይዳ ጥራሕ እዩ።
ብኻልእ ኣዘራርባ ከምዚ ዝበለ ሓላፍነት ዝጎዯሎ ኣካይዳ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ጸረቲ ሓባራዊ ጸላኢና ረሲዕና ቃልስና ኣብ ሕድሕድና ክኸውን ዝገብር ኣካይዳ እዩ። እዚ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንህግዯፍ ዘገልግል ኣካይዳ እዩ። ኤስዯለ ብዘይ እስላም ኤርትራ ትበሃል ሃገር ኣይትህሉን ወይ ብዘይካ ክርስትያን ኤርትራ ትበሃል ሃገር ኣይትህሉን ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለዎ። ልክዕ ከምኡ ከኣ ሃገርና ኤርትራ ኣዯ ብዙሓት ብሄራት ሕብረ-ብሄራዊት ሃገር እምበር ናይ ሓዯ ብሄር ሃገር ኣይኮነትን። ህላወኣን ቀጻልነታን ዝረጋገጽ ከኣ ኣብ ማዕርነትን ሓድነትን ናይዞም ዝተፈላለዩ ብሄራትን ሃይማኖታትን እዩ። ናይ ሓዯ ልዕልነት ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ክረጋገጽ እንተተፈቲኑ ግን እቲ ዝድለ ዘሎ ልዕልነት ኣይረጋገጽን ጥራሕ ዘይኮነስ ውድቀት ናይቲ ልዕልነት ዝዯሊ ዘሎ ሸነኽ ዘቃላጥፍ መስርሕ ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል።
ዘልኣለማዊ ፍቕርን ስኒትን ኣብ መንጎ ብሄራትን ሃይማኖታትን ኤርትራ !!!
ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኤስዯለ

 

Last Updated on Monday, 26 September 2016 10:39
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 159 guests online