www.blina.org

You are here:   Home Blog brk/news ኣይትተሃመል ህዝበይ፤
ኣይትተሃመል ህዝበይ፤
Tuesday, 16 January 2018 17:36

ዓለምና ብዝተሓላለኸ ኩነታት ትሕቆን ኣላ፤ ኣብ ሞንጎ ልዕለ ሓያላን መንግስታት ዝረአ ናይ ረብሓ ግርጭት፡ ኣብ ልዕሊ ዘይማዕበላ ሃገራትን ህዝብታተንን ተጽዕኖታት ምዕራፉ ኣይተረፈን። ኣብ ዞባ ማ/ምብራቕ በብእዋኑ ብዝቀያየር ቅልውላውን ግጭትን ህዝብታተን ንሞትን ሰደትን ክቃልዑ ንርእዮም ኣሎና፡፡ ሃፈጽትኡ ናባና ገጽ ኣቢሉ እናቐረበ፡ ኣብ ቀረባ ስግርና ኣብ ሃገረ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ዘሕዝን ኣዕናዊ ኵናትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ረዳኢ ዘይተረኽቦ ህልቂት፡ በብእዋኑ ካብ ማዕከን ዜናታት ክንከታተሎ ዝጸናሕናን ዘሎናን እዩ።
ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ንልዕሊ 26 ዓመት ዘበነ ስልጣኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብታትናን ዘውረዶ ዕንወት ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡ ኤርትራ ብወታደራዊ ሕግታት እትመሓደር፣ ፍትሕን ርትዕን ዝተሓረማ፣ ዜጋታት ብሃገራዊ 'ድሕንነት' በብዕለቱ እናተጎተቱ ደሃዮም ዝጠፍኡላ፣ ህዝብታትና በብእዋኑ ብማሕበረ ቁጠባዊ ድኽነት እናተገረፉ ዝነብሩላ፣ ብሒም ዝበለ ይተሓጎም ብዝብል ሕጊበረኻ ዝጭቆኑላ ናብ ቤትማእሰርቲ ዝተቐየረት ሃገር ኮይና ኣላ።

 

ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ፣ ኣብዚ ሊንክ ጸዓን።

Last Updated on Tuesday, 16 January 2018 18:13
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 111 guests online