1 ደምዳሚ መግለጺ 4ይ-ስሩዕ ኣኼባ፡ ላዕለዋይ ባይቶ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ) |
Blina News -
brk/news
|
ላዕለዋይ ባይቶ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)፡ ካብ 05 ክሳብ 07 መጋቢት 2024 ዓ.ም. መበል 4ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ላዕለዋይ ባይቶ ኤስሃግ ኣብ ኣኼብኡ፡ ህሉው ዓለማዊ ዞባውን ከባቢያውን ኩነታት፡ ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ዘለዎ ጽልዋ ፈቲሹ። ንሃገራዊ ኩነታትና ብዝምልከት ድማ፡ ህልው ኩነታት ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ብሓደ ወገን፡ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ሕሱም ሂወት ድማ በቲ ካልእ ወገን ብስፍሓት ተማያይጡ፤ ገምጋሙ ኣንቢሩ። ኩነታት ደምበ ተቓውሞ/ደለይቲ ለውጢ ኣብ ከመይ ዝመሰለ ኩነታት ከም ዝርከብ ፈቲሹ። ኣብ መስርሕ ህዝባዊ ቃልስና፡ ህዝብና ኣንጻር ጨካንን ደመኛን ጸላኢኡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ፡ ተቓሊሱ ከይዕወት፡ ብኣንጻሩ ዝወርዶ ዘሎ ዝኸፍአ ኣደራዕ፡ ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፍአ ክቕጽል ዝገብር ዘሎ፡ ናይ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዝተፈላለዩ ድኽመታት ፈቲሹ። ኤስሃግ ከም ኣካል ኣምሳል ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘለዉዎ ውሽጣዊ ሕጽረታትን ዘጋጠሙዎ ብደሆታትን ገምጊሙ ።
ምሉእ ትሕዝቶ ቀጺልካ ንምንባብ፣ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን።PDFLink.
|
Eritreas disappeared citizens. |
Blina News -
brk/news
|
Political Prisoners, Prisoners of Conscience and Other Forcibly Disappeared Citizens in Eritrea since 1991.
To read the full list click on this PDF link.
|
Blina News -
brk/news
|
መግዛእታዊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ “ኤርትራ፣ መሬታ እንበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ካብ ዝብል ጭርሖ ተበጊሱ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ይኹን ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ግዳይ ማእሰርትን ቅንጸላን ገይርዎም ኢዩ።
ብ1967 ዓ.ም ድማ “ዓሳ ንምቕታል ባሕሪ ምንጻፍ” ካብ ዝብል ኣረሜናዊ ፖሊሲታቱ ተበጊሱ ነቶም ካብ ከተማታት ወጻኢ፡ ኣብ ደንበታትን ንኣሽቱ ቁሸታትን ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ወተሃደራቱ ዝቆጻጸርዎም ዓበይቲ ከተማታትን ዓድታትን ክግዕዙ ዘገድድ ውሳኔ ኣሕለፈ። ካብ’ዚ ውሳኔ’ዚ ተበጊሱ ድማ ኣብ ምዕራባውን ምብራቓውን ቆላታትን ኣብ ኣከለጉዛይን ሰንሒትን ዝርከባ ዓድታት ከቃጽልን ክቐትልን ጀመረ። ገለ ካብ’ተን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝተቓጸላን ህዝበን ድማ ግዳይ ናይ ቅትለት፡ ምፍንቃልን ስደትን ዝዀና ዓድታት ንምጥቃስ ዝኣክል ዓድ’እብራሂም፡ ዓድ ኩኩይ፡ ተኾምብያ፡ ምስያም፡ ሃዘሞ፡ ሶይራ፡ ዓይለት፡ ኣኽዋር፡ ገምሆት፡ ሕርጊጎ፡ ጀንገሬን፡ ሓልሓል፡ ፋና . . .ወዘተ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ግፍዕታት’ዚ ብ1967 ዓ.ም ልዕሊ 30,000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ተሰዲዶም፥ ክሳብ ሕጂ ድማ ውሑዳት እንተዘይኰይኖም እቶም ዝበዝሑ ናብ ዓዶም ኣይተመልሱን።
ምሉእ ትሕዝቶ ክተንብቡ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን PDF link |
ብደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈጸመ ቅትለት ንኹንን |
Blina News -
brk/news
|
ዘለናዮ እዋን ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ዘሎ ድቕድቕ ጸልማት እዩ ከብሎ ዝኽእል ብዙሕ ምልክታትን መግለጺታትን ኣለዎ። ኣጸቢቑ በርሃው ክሳብ ዝብል ድማ ዝዕንቀፍን ዝወድቕን ዝስበርን ክህሉ ንጽበዮ ነገር እዩ። እዚ መበገሲ ጌርናዮ ዘለና ኣርእስቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝተፈጸመ ቅትለት ንጹህ ኤርትራዊ ዜጋዩ። ህይወቱ ዝሓለፈሉ ምኽንያት ከኣ ጸረ እቲ ሃገር ኣባዲሙ ህዝብና ንስደትን መቕዘፍትን ዘሳጠሐ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ደው ስለ ዝበለ ጥራሕዩ እዩ ዝበሃል ዘሎ። በዚ ሕማቕ ተረኽቦ ዝሰምበረ ልቢ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብሓፈሻ፡ ናይ ቀረባ ቤተ ሰብ ድማ ብፍላይ ጽንዓትን ርግኣትን እናተመነና ንመዋቲ ድማ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ንብል።
ቀጺልካ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን። PDF link |
ግለጺ ምስሓብ ክልተ ውድባት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ደሞክራሲያዊ ውድብ ብሒረ ብሌን (ሆደ) ካብ ኤሃባደለ |
Blina News -
brk/news
|
ብቐዳምነት ዕዙዝ ገድላዊ ሰላምታና ክነመሓላልፈልኩም ደስ ይብለና። ብምቕጻል ንሕና ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ደሞክራሲያዊ ብሔረ ብሌን (ሆደ) ካብ ቅድመ-ቀዳማይ ጉባኤ ኣዋሳ ኤሃባደለ፡ ማለት ካብ ኮሚሽን ጀሚርና ስጋብ ቀዳማይን ካላኣይን ጉባኤ ኤሃባደለ ዓቕምና ብዘፍቅዶ ንባይቶ ብዘይ ግብዝነት፡ ሓያል ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባይቶ ንኽኸውን እቶም ኣብ ዝለዓለን ዝተሓተን ሓላፍነት ዝተመዘዙ ኣባላትና ሙሉእ ግዜኦም እናሃቡ ኩሉ ዘለና ዓቕሚ ጸንቂቕና ከነበርክት ጸኒሕና ኢና። እዚ ክንብል ከለና ሃገራዊ ጉቡእና ኢልና ስለ እንኣምን እምበር ሓለፋ ወይ ናእዳ ስለ ዝተጸበናሉ ኣይነበረን።
ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ፣ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን.PDF Link. |
ደምዳሚ መግለጺ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር - ኤስሃግ |
Blina News -
brk/news
|
ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራት፡ ግን ኣብ ሓደ እዋን ካብ ዕለት 25 ሓምለ ክሳብ 5 ነሓሰ ዝተኻየደ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ላዕለዋይ ባይቶ ኤስሃግ፡ ሕሉፍ ጉዕዞታቱ ገምጊሙ መጻኢ መደባቱ ብምስራዕ ዛዚሙ'ሎ።
ኤስሃግ ብሕዳር 2021 ዝተመስረተ ናይ ሸውዓተ ውድባት ግንባር ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ናይ ደንበ ተቓውሞ ሓዲሽ ክበሃል ዝከኣል ክልተ ዓበይቲ ነገራት ተግባራዊ ንምግባር ዝዓለመን ብዓቕሙ እናኣተግበረን ዝጸንሐ ግንባር እዩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ዝስዕብ ቐለበት PDF ጽዓን. |